ሕጊ ኣልቦ ሃገር

ሕጊ ኣልቦ ሃገር_ናይ ቅድሚት ገበር

እታ ኣቐድም ኣቢለ ኣብ ዓመተ 2017 ብቋንቋ እንግሊዝ ዘሕተምኩዋ The Lawless Nation ትብል መጽሓፈይ፡ እነሆ ድሕሪ  ሓያል ጻዕርን ሓርኮትኮትን ናብ ቋንቋ’ደይ፡ ናብ ትግርኛ ተርጕመ ናብ ህዝቢ የቕርባ’ለኹ። ሕጊ ኣልቦ ሃገር፡ ብውሕልነትን ብጽፈትን ናይ ሓያላትን ምኩራትን ኣርታዕቲ ክእለትን ብልሕን ተሓዊስዋ ብጽፈት ተወዲኣስ ናባኹም ናብ ኣንበብታ ትቐርብ ኣላ’ሞ፡ ኢደይ ኢድካ በሉ። “ዘንብብ ይዕንብብ” ሃየ ምንባብ ኣይንሕመቕ።

መጽሓፍ ሕጊ ኣልቦ ሓገር ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ናይ 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ናብ ሓፋሽ ትዝርጋሕ’ላ። ኩሉኹም ግዱሳት ድማ ኣብ ናይ ኣሕታሚ መርበብ ኮነ ኣብ ናይ ውልቀይ መርበብ ብምልጋስ ንዝፍነዉ ሓበሬታታት ክትከታተሉ ይዕድም። ከም ኣማራጺ ድማ ኣብ ዝነጥፈሉ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ገጻት ከም እኒ Facebook ኮነ Twitter ተኸታተሉኒ።

The Lawless Nation

Liesbeth_THE_LAWLESS_NATION

ዝዓበኹም ኣቦታተይ ኣያታተይ፡ ዝናኣስኩም ኣሕዋተይ፤ ዝዓበኽን እኖታተይ ሳንዳታተይ፡ ዝነኣስክን ኣሓተይ፤ ንኹልኹምን ንኹላትክንን ዝኸውን ብስራት ሒዘ መጺአ’ለኹ። ብስራትካ ይጥዓም ከምትብሉስ ኣይሰሓትክዎን፤ የግዳስ ኣቐዲመ እቲ ብስራተይ ከስመዓኩም።

እታ ንቑሩብ እዋን ጸሚዳ ሒዛትኒ ዝጸንሐት ቦኽሪ መጽሓፈይ፤ እሞ ኣብዚ እዋን’ዚ ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ፤ ድሕሪ ክንደይ ሓርጎጽጎጽ ኣቦይ’ዝጊ መፈጸምታኣ ኣሪኡንስ ናብ ሓፋሽ ናባኹም ናብ ኣንበብቲ የቕርባ’ለኹ። እቶም ቋንቋ እንግሊዝ ዘይርዳኣኩም ንሎሚ ምሰናይ ይቕሬትኡ ክሳብ ናብ ትግርንያ ተተርጒማ ንሕትመት ትበጽሕ።

እዛ “The Lawless Nation” ዘርእስታ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተዳለወት ቦኽሪ መጽሓፈይ፤ ነቲ ዕለታዊ ህይወት ህዝብና ኣብ ትሕቲ’ቲ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ተንጸባርቕ ኣብ ሓቀኛ ፍጻሜታትን ሓቀኛ ታሪኽን ዝተሞርከሰት እያ። እቶም ካብ ኤርትራ መሬት ከም ኣፍ ዑንቊ ጸቢባትኩም ሃጽ ኢልኩም ዝወጻኹም’ኳ እቲ ዛንታታት ክንደየናይ ከይትስሕትዎ ከመይሲ ብቐጥታ ኣብ ነብስኹም ዋላ እንተ ዘይበጽሐስ ኣብ ጐረቤትኩም፡ ኣብ ቤተሰብኩም፡ ወዘተ ••• ዘስተብሃልኩምሉ ስለ ዝኾነ። እዚ ኽብል ከለኹ ግን ብዙሕ ካባኹም ዝተሰወረ ህሞታት ኣብዛ መጽሓፈይ ከም ዘሎ ‘ውን ኣይስሕቶን’የ።

ካልኣይ ዓቢ ቁምነገር ናይ’ዛ መጽሓፈይ ድማ ነቲ ክብርናን ክብሪ ወለድናን ኣኣብ ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ክደሃኽን ክጠፍእን ንዕዘቦ ዘለና ተንጸባርቕ ምዃና እዩ። እታ ብርኽቲ ርስቲ ወለድና ትኹን፡ እቲ ክቡር ባህልን ወግዕን ኣቦታትናን እኖታትናን ንወለዶታት ዝዓቀብናዮ፤ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ናይ ስርዓት ህግደፍ ዓመታት ከም’ቲ ዘይነበረ ኣብ ምዃን ደረጃ በጺሕናሉ ዘለና ኣጋጣምን ህሞትን ጽቡቕ ነጸብራቕ ዘቐመጠት መጽሓፍ እያ’ሞ፡ ክትነብዋ በዚ’ጋጣሚ ይላቦ።

ነዛ ብዓይነታ ኮነ ብትሕዝቶኣ ፍልይትን መሃሪትን ዝኾነት መጽሓፈይ ምስ እትደልዩ፡ ኤሌክትሮኒካዊ መጽሓፍ / ebook ኮነ ናይ ወረቐት መጽሓፍ / paperback ካብ ኣማዞን / Amazon ክትረኽቡዋ ትኽእሉ። ከም ኣማራጺ ድማ ኣብ Contact ዝብል ብምጥዋቕ መልእኽትኹም ሰደዱለይ መታን እዛ መጽሓፈይ ኣብ ምርካባ ክተሓጋገዘኩም።